ጥላሁን ይግዛዉ ቴክኒክን ሞያን ኮሌጅ

1 ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ናይ ግበሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ቲን መቅረባይነት ሰርተፊከት ናይ ተወሳኪ እሰት ታክስ ቫት ሰትፊከት ናይ ወርሒ ሐምለ 2015 ዓም ወሓዊ ድክሊር መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 መቅረባይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ድሕሪ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፐርት ከቅርብ ዝክእል

3 መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ናይ መቅረባይ ትካል ሽም ፊርማን ማህተምን ክህልዎ አለዎ

4 ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈልኩም ካብ ጥላሁን ይግዛዉ ተክኒክን ሞያን ኮለጅ ዕደጋ ፋይናንስን ምምር ንብረትን ቁፅሪ 3 ብምዉሳድ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነኒበይኑ ብሽሚ ዝተዓሸገ ስታ ካብ 08/02/2016 ዓም ክሳብ 23/02/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ምእታዉ ይከኣል ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት23/02/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ይክፈት ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብዘይምቅራቦም ሰነ ስርዓት ምካፋቱ ጨረታ ኣይተኣናፍን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን

5 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 30 መዓልቲ ይከዉን

6 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ መከበሪ ዘይምለስ ብር 3000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ከዓ ካብ ኢትዩጰያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተዉሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣቀዲሙ ከትሕዝ ዝክእል

7 ኮለጅና ኣብ ሕድሕድ በዝሒ ንብረት 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል

8 ኮለጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ብስልኪ ቁፅሪ 034 777 1828 ደዊልካ ተወሳኪ ሐበረታ ምርካብ ይከኣል