ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ናይ 2012/13ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

2 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ናይ ወርሒ ሓምለ ነሓሰ 2012 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዝገበረ ምካኑ

3 ናይ 2012/13 ዓም ናይ መቅረባይነት ዘለኩም መረዳእታ ዋናት ቅዳሕን አተሓሒዙ ዘቅርብ ክትጫረቱ ትክእሉ

4 መክበሪ ጨረታ ንሎት 1ን2 4000 ቅርሺ፣ ሎት 3 2000 ቅርሺ ሎት4 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብባንኪ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣቀዲምኩም ክተትሕዙ እትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲ ግራት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 9 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ናከፈልኩም ክትወስዱ ትክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ሽም፣ ክታም፣ ማሕተምን ፣ንፁር ኣድራሻኩምን ብምፅሓፍ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክተእትዉ ትክእሉ

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ 09/02/ 2012 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 3:40 ይክፈት

8 እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344450953/0870 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።