ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሐደስ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕን ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ እዋናዊ ሒሳብ ዘፈለጥኩምሉ መረደእታ ቅዳሕን ምስ ዋንኡ ክተቅረቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ 13/01/2013 ዓም ጀሚርኩም ክሳብ 27/01/2013 ዓም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ምወሳድ ትክእሉ

5 ተጫቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንመከበሪ ጨረታ  ፣ መሳርሒ ፅሕፈት 10000 ቅርሺ ፣ መኸላኸሊ ኮሮና  ኣቅሑት ፅሬት 6000 ቅርሺ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 6000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ይግባእ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

7 ሳንዱቅ ጨረታ 28/01/2013 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ አይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ግና ፊርማ በዓል ዋና ክህልዎ ይግባእ

9 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ትመልእዎ ዋጋ ነዚ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

10 አብቲ ዝተመልእ ዋጋ ብዝዕባ ተወሳኪ እሴት ታከስ ዘይተገለፀ እንተኮኑ እቲ ዝተመልእ ዋጋ ምስ ቫቱ ከምዝተመልእ ተሓሳቢ ይግብር

11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፌርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344450607 / 0344450282 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል