ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን

1 ናይ 2008ዓ/ም ዘመን ዝተሓደሰን ተመሳሳሊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን /TIN No/ ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ

3 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነተ ሰርቲፊኬት ዘለኩም Â

4 ናይ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒ ጥሪ 2008 ዓም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካዝ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 በቲ ቢሮ ተዳልዩ ዝተወሃበ መዐቀኒ ስፐስፊከሽን መሰረት ብፅሬትን መጠንን ብጊዜን ብዉዕሊ መሰረት አብ ዉሽጢ 25 ማዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ቢሮ ከረክብ ዝክእል ከረክብ ዝክእል

8 መወዳደደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ

9 ተጫረቲ ዘይምለስ ንሕድ ሕድ ሎት 50 /ሓምሳ/ ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽ መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረትን ምምሕደዳር ኣብ ኮምፐሌክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 179 Â ካብ 14 /06/2008 ዓ/ም ከሳብ 28/ 04/ 2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኩም ክተእትዉ ትክእሉ

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንሎት ሐደ ፈርኒቸር 5000 /ሓሙሸተ ሽሕ/ ቅርሺ ብ ሲፒኦ ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ትክእሉ ንሎት ክልተ ኤሌክትሮኒክስ 15200 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕን ክልተ ሚኢትን/ ቅርሺ ብ ሲፒኦ ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ትክእሉ Â

11 እቲ ጨረታ ዕለት 28/ 04/ 2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፁዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ ንብ/ምምÂ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት :: ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ኣይታዓናቐፍን

12 ኣብ ጨረታ ንከይሳተፍ ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተአገደ ነገዳይ ናይ እግድ ግዚኡ ወዲኡ እግዱ ከይተልዓለሉ አብ መቅረባነት ክወዳደር ኣይክእልን

13 እቲ ዝቀረበ ንብረት በቲ ናይ ቢሮ ዘቅርብ ስፐስፌኬሽን /ሳምፕል/ መሰረት ይከዉን

14 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344411052 ምሕታት ይካኣል

Â