ኤጀንሲ ማኣድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ባዩ ጋዝ ዩኒት

1 ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ:ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎም፣ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑን

2 መቕረባይነት ፍቓድ ዘሐደሱ::

3 መኸበሪ ጨረታ 5000.00 ብ ሲ.ፒ.ኦ መልክዕ ከትሕዝ ዝክእል

4 ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 30 እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ መረዳእታ ካብ ቢሮ ቑፅሪ 215 ክወስዱ ይኽእሉ::

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረቶም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ አብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 215 ንዕኡ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ምእታዉ ይኽእሉ::

6 ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ዶክሜንት ሽሞም ማሕተሞም ኣድራሻኦምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ

7 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 03/13/2012 ይኸዉን::

8 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዐለት 13/ 01/ 2013 ሰዓት 4:30 ይኸዉን::

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/ 01/ 2013 ሰዓት 9:00 ይኸዉን::

10 ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ ዕለትን ሰዓትን ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ኸዓ ሕጋዊ ወኪሎም እንተተረረኸቡ ይምርፅ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተአጎጎልን::

11 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቕረብቲ ወይ ግልጋሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአ ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕል አሰረ 10 % ፐርፎርማንስ ቦንድ ምስቐረበ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ይምለሰሎም::

12 እቲ ፕሮግራም ዝሓሸ መማረፂ እንትዳኣረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344409201 / 0344402088 ምድዋል ይኽእሉ::