ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ናይ 2012/13ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም፣ ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ምስክር ወረቀት ዘለዎ

2 ናይ መኪና ብርኪ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ብርኪ ዝኮነት

3 መክበሪ ጨረታ ንምግብና 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ፤

4 ንነፍሲ ወከፍ ዝገልፅ መንነት ሕጋዊ ሊብሬ ዋናን ዘይምለስ ቅዳሕን ጌሩ ከቅርብ ዝክእልን ንሕድሕድ መኪና መግንሒ መኪና ፍቃድ 3ይ ካብኡ ንላዕልን ዘለዎ

5 በዝሒ ዘድልያ መካይን 2ተ ኮይነን ሓንቲ 11 7 ካብኡ ንላዕሊን እትሕዝ ናይ ህዝቢ መኪና ካልኣይ ድማ 15 7 ልዕሊኡን እትሕዝ ናይ ህዝቢ መኪና ክኮና ኣለዎን ኩሉ ወፃእታት ናይታ መኪና ዋና ሸፊኑ ዝሰርሕ ይከዉን

6 እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጓወሐሉ 14/11/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 29/11/2012ዓ/ም  ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲ ግራት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 9  ክትወስዱ ትክእሉ

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ 29/11/ 2012 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 3:40 ይክፈት ፤

8 እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-450953 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።