ቢሮ ትልምን ፋይናንስን

  ስለዚ

1 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

2 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ  VAT  ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ታሕሳስ 2008 ዓ/ም   VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;

3 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት  ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን  ከቅርብ ዝኽእል::

4 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ   እቲ ዝተሐተተ ፈርኒቸር ኣቑሑት ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን  ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

6 ተጫረቲ  ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድነ ጨረታን ሕትመት ዘይምለስ ብር 50. 00/ሓምሳ ቅርሺ ጥራሕ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ  2-19 ካብ 26 /5/2008 ዓ/ም ክሳብ 10/ 6/2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ  ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ / ብር 5000. 00 / ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም  ቢሮ ትልምን ፋይናንስን  / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ  ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

8  እቲ ጨረታ ዕለት  10 /6/2008  ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት  ምም/ርንቢሮ ቑፅሪ 2-19  ተጫረቲ  ወይ  ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

9 ቢሮና ነቲ ጨረታዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ  20 % ክቅንስ /  ክዉስክ ይክእል እዩ::

11 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

12 ንዝበለፀ ሓበሬታብቴሌፎን ቑፅሪ 03444105291 / 0344406200 /01-09 ናይ ዉሽጢ መስመር   227 : 265 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::