ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ

2 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቀረባይነትን ሰርቴፊኬት

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፌኬት

4 ናይ ቫት ሰርቴፊኬት

5 ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓ/ም ዴክሌር ዘገበርኩሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ክተቕርቡ ትኽእሉ::

7 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ ::

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር /እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስለጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንበረት ምምር አብ ኮምፕሌከስ ህንፃ 3 ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 333 ካብ 20/ 05 /2008 ዓ/ም ክሳብ 7/ 06 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5,000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / : ብ CPO  ብጥረገንዘብ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ይግባእ

10 ኣብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዘሸነፍዎ ልዕሊ 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / እንተከይኑ ቫት 15 %  ተወሳኪ ታክስ አብ ቢሮ ተቐሪፁ ኣታዊ ይኸዉን::

11 እተቅርብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን20 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸዉን::

12 እቲ ጨረታ ዕለት 7/ 06 /2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምምሕደር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብተወሳኺ ድማ ዘድሊ ደኩሜንት እንተማሊኦም ይኸፈት::

13 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኸቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 251 344 40 34 47 ክትረኸቡና ትኽአሉ ምኮንኩም ንሕብር::

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ