ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልኩም ፤

2 ናይ 2012 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም፤

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ጥሪ ለካቲትን መጋቢትን 2012 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን ከምእዉን ናይ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ዝተኣገደ ዝኮነ ይኩን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀድን፤

6 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕብ ስጎምቲ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ ፡፡

7እቲ ሰነድ ሽም: ኣድራሻ : ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

8 እዚ ሰነድ እንትምልኣ ብቲ ዝቀረበ ዝርዝር ረቆሒታት መሰረት ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ ዝርዝር ረቆሒታት ምእታዉ ኣይፍቀድን፤

9 ግልፂ ኣይኮነን አሉ ምስ ዝኣምን ድማ ብኣካል ቀሪቡ ክሐትት ይግባእ፡፡

10 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሉ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ይከዉን፤

11 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስረ ከአሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕል መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል፤

12ሰነድ ጨረታ ካብ 10/09/2012 ዓም ክሳብ 24/09/2012 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ኣዲያቦ ክትወስዱ ትክእሉ ፡፡

13 ናይ ጨረታ 25/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት፡፡

14 እተ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይዂን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-32 00 94