ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቅዳሕን ዋንኡን ሒዝኩም እትመፁ፤

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ (Tin number)፤

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መራዳእታ ናይ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 20/08/2012 ዓ/ም ጀሚረኩም ክሳብ 04/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 11.30 ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ ፣ እናኸፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ዓዲግራት ምውሳድ ትኽእሉ።

6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ኤሌክትሮኒክስ 5000.00 ፣ ፅሕፈት መሳርሒ 5000፣ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ ጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክተድሕዙ ይግባእ።

7 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እቲ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ እዋን ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይኸውን።

8ሳንዱቅ ጨረታ 05/09/2012 ሰዓት 4.00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4.30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

9 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን፤ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዩዎ ግና ፊርማ በዓል ዋና ክዓርፎ ይግባእ።

10 ኣብ ነብሲወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ።

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ወይድማ ብቁፅሪ ስልኪ

03 44 45 06 07ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።