ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ 2012ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ዘለዎም

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ

3 መኸበሪ ጨረታ ሎት1 15000.00 ቅርሺ ሎት 2 10000.00 ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ወሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ንሎት 1 ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ፋይናንሻል ከልተ ሰነዳት ከምኡ እዉን ንሎት 2 ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ሰነድ ተባሂሉ ንሕድሕድ ዋናን ቅዳሕን ብጠቅላላ 4ተ ሰነድ ብዘተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተደለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ቢሮ ቁሪ 42 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ይክእሉ

5 እቲ ጨረታ ካብ 18/07/2012ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 ተካታተልቲ መዓልትታት ኣብ ኣየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 05/08/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡00 ይክፈት

6 ሰዓራይ ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር መዐቐኒ መሰረት እቶም ንብረት ከቀርብ ኣለዎ

7 ተወዳደርቲ ትካላት ሰዓርቲ ኮይኖም እንተተረኪቦም ናይ ሰዓይነት ደብደቤ ካብ ዝተወሃቦም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን ናይ ሎት 1 ናይ 50000.00 ፓድ ብቅቢሊት ድማ ዉዕሊ ከብ ዝኣሰርሉ ጀሚሩ መጀመርያ ዝርያ 15000.00 ፓዳት ኣብ  30 ማዓልቲ ካልኣይ ዙርያ 15000.00 ፓዳት ኣብ  30 ማዓልቲ ሳልሳይ ዙርያ 20000.00  ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልታት ብጠቅላላ 50000.00 ፓዳት ከቅርቡ ዝክእሉ ንሎት 2 ኮምፒተር ታብሌት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታታልቲ መዓልቲ ከቅርቡ ኣለዎም

8  ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዪ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 47 15