ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

1 ዝተሓደሰ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ፣ መቕረባይንትን ቲን ናምበርን ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ዝቀርበ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ መሊኢኩም ብፖስታ ኣሺግኩም ካብ ዕለት 04/07/2012 ዓ/ም ክሳብ 08/07/2012 ዓ/ም ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ ዝቕረበ ፕሮፎርማ ዕለት 09/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 2፡30 ዝኽፈት ምካኑ ንገልፅ

2ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን15 ስራሕ መዓልትታት ጥራሕ ይከዉን

3 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

4 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 4064 51 ምሕታት ይካኣል