ቤት ፅሕፈት ልማዓት ከተማ ንግዲን ኢንዱስትሪን ጨንፈር መኾኒ

1 ንቤት ዕዮና ኦዲት ንምክያድ ዘኽእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለዎም

2 ናይ 2012ዓ/ም ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓትን ሞያን ዘሐደሰን ንግዲ ምዝገባ ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን ናምበር ካልኦት ንጨረታ ዝጠቕሙ መረዳእታታ ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝክእል

3 ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ መኾኒ ከተማ ትካል ምኻኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ

4 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማ ን/ኢ/ጨንፈር መኾኒ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 02  ክሳብ 13/06/2012 ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

5 እቲ ጨረታ 13/06/2011ዓ/ም ዝፀንሕ  ኮይኑ ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

6 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0928-942332 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።