ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት እተማልኡ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ሎት ሓደ ኣብ ጣብያ ሕለት ኮካ 07 ኣብ ጣብያ ኣደባይ 05 ናይ ሓባር ዒላ

ሎት ክልተ ኣብ ጣብያ ማይ ቀይሕ 07 ናይ ሓባር ዒላ

  1. ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን
  3. ደረጃ  7 ልዕሊኡን ብማይ ተንከፍ ዝተሓደሰ ፍቃድ ዘለዎ
  4. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ዘቅርብን
  5. በቲ ዘፈር ሕጋዊ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል
  6. ብናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ዝተዉሃበ ናይ በዓል ሞያ መለለየ ካርድ
  7. ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  8. ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 10,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ናይ ሕድሕድ ሎት ከትሕዝ ዝክእል
  9. ወዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 80 ተከታተልቲ መዓልትታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
  10. ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ጨረትኦም ቴክኒካል ፋይናንሻልን ሕድሕድ ዋና ምስ ሕድሕድ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ አርባዕተ ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ግዴታ አለዎም
  11. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
  12. ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ሎትሓደ  ካብ 7 ታሕሳስ 2008 ዓም ክሳብ 22 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 00 ንጉሆ ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 3 ፡30 ተዓሺጉ ሰዓት 4 ፡00 ይክፈት
  13. ሎት ክልተ ካብ 7 ታሕሳስ 2008 ዓም ክሳብ 23 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 9፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ  ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡ 30 ተዓሺጉ ሰዓት 10 ፡00ይክፈት
  14. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480183/  0344480087  ብምድዋል ወይድማ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል