ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ መቐለ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ሰርቲፊኬት /TIN/ ክተቕርቡ ትኽእሉ፣

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ዓ/ም ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን፤

4 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት /ሰርቲፊኬት ዘለኩምን

5 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትኸፍሉ ትኽእሉ፤

6 ነዚ ግልፂ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) ብምኽፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ( ቀፅሪ መሰረተ) ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ካብ05/05/2012 ዓ/ም ጀሚሩ - ዕለት 26/05/2012 ዓ/ም ሰዓት 11:00 ንምውሳድ ኣብ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ኦርጂናልን ኮፒን ብምባል ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምአታው ትኽእሉ፣

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ  መሳርሒ ፅሕፈት 5000.00 ፣ ኣቅሑ ፅሬት2000.00፣ መሳርሒ ህንፃ 10000.00 ፣ ኣቅሑ ኤሌክትሪክ50000.00፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና 5000.00፣ ፈርኒቸር 5000.00፣ ጨርቂ ጋቦን 5000.00 ኸ ቀዋሚ ንብረት ናይ ሆቴል ማነጅመንት 2000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከተሓሕዙ እትኽእሉ። ዝርዝር ንብረት ካብ ሰነድ ጨረታ ምርኣይ ይከኣል።

8 ዘቅርብዎም ዝርዝር ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከኸውን ኣለዎ።ስርዝ ደልዝ እንተሃልይዎ ተቀባልነት የብሉን።

8 ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 27/05/2012 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 3:30 ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ቀፅሪ መሰረተ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተወደደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

9 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኮሌጅና ናይቲ ዝግባእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል እዩ።

11 ተወዳደርቲ እተቕርበዎ ንብረት ብቴክኒክ /ፅሬት ኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-404592 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።