ሓድነት ማእከል ዘመናዊ ዕዳጋ

ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንመስታፍ ነዞም ሲዒቦም እንገልፆም ረቋሕታት ከማልእዎም ይግባእ

  1. ናይ 2007 ዓም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልሉን  ፍቃድ ዘሐደስሉን መረዳእታ
  2. ኣብ ቢሮ ኮንስትርክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትርክሽን ቁፅፅርን ምዝገባ ፍቃድን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  3. ናይ ቫት ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክላረሽን መረዳእታ ዘለዎም ወይድማ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ
  4. ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብዝወሃብ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ፎርሓደ ሾፒንግ ማለት ኮምፐሌክስ 400,000 /ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ /ቅርሺ ከቅርቡ አለዎም
  5. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 720 ተከታተልቲ መዓልቲታት ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ይግባእ
  6. ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 6 ታሕሳስ 2008 ዓም ጀሚሩ ካብ ኣብ ህንፃ ማሕበር ኣካል ጉድኣት ምድር ቤት ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ ኣድላዩ መረዳእታታት ብምሓዝን ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋልን ክገዝኡ ይክእሉ እዮም
  7. ተጨረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ቴክኒካልን ፋይናሻልን ሰነድ ንነፍስወከፍ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስዓሸኩም ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካልእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጨረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍን ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 27 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም
  8. ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነፍስወከፍ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓት እቲ ሰነድ  እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ ከየጋደሉ ከቅርቡ አለዎም
  9. ዝተጋደለ ብትክክል ዘይተመለአ ቅደም ሰዓብ ዝተዛበዐን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ
  10. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 27 ታሕሳስ 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 3 ፡30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
  11. እቲ ኮሚቴ ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ኣብ ህንፃ አካል ጉዳኣት ምድር ቤት ዝርከብ ፅሕፈት ቤት ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ ብኣክል ብምቅራብ ወይድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0914703862 0914725580 ወይዉን 0914728020 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ