ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት ዝተፈላለዩ ዓይነት መካይን መለዋወጢ ኣቑሑት (ማለት ስፔር ፓርት) ብጭረታ መልክዕ ክትሽይጥ ስለ እትደሊ ኣብቲ ጭረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረትቲ ንሕድሕድ ንብረት እትገዝእሉ ዋጋ ብሰም ብዝተዓሸገ ፖስታ ገይርኩም እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 05/01/2007 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ናይ ንግሆ ኣብ ዘለዉ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ናብ ቢሮ ቁፅሪ 304 ክትቐርቡ ንዕድም ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 06/01/2006 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንግሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማረት መቐለ ምኮኑ እናገለፅና እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
መተሓሳሰቢ
ሕድሕድ ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 200 ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ክልል ቤት ፅሕፈት ማረት ቢሮ ቁፅሪ 304 ክወስዱ ይግባእ
ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ናይ ዝጫረቱዎ ንብረት ዋጋ 5% ብሲፒኦ መልክዕ ከትሕዙ ከምዝግባእ ንገልፅ
ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራቲ ካብ ዝሰዓረሉ ጀሚሩ ንብረቱ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ጠቕሊሉ እንተዘይኣልዒሉ ዘትሓዞ ስፒኦ ኣታዊ ኮይኑ ጨረታ ከም ዝስረዝ ነፍልጥ