Tigray Health Bureau

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት

  1. ናይ 2008 ዓም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልሉን ፍቃድ ዘሐደሰሉን ናይ መቅረባየነት ምዝገባ መረዳእታ ዘቅርቡ
  2. ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባ ፍቃድን 2008 ዓም ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን ከምኡዉን ቲን ነምበር ወይ መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. መክበሪ ጨረታ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ቼክ ወይድማ  ሲፒኦ ንነፍስወከፍ  ጨረታ 60,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
  5. ተጫረቲ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 120 ተከታተልቲ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም
  6.  ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 24 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ  ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ  ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣድላይ መረዳእታ ብምሓዝ ዘየምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ከዕድጉ ይክእሉ
  7. ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ን ቴክኒካል ዶክመንት ንነፍስወከፍ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳትን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካልእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብመዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖሰታ ብማርከር ብምፅሓፍ ንቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብቲ ቢሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 20 ታሕሳስ 2008 ዓም  ሰዓት 3፡ 00ቅድሚ ቀትሪ ከእትዉ ዝክእሉ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ  0348409782  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል