Shere Endaslase Planning and Finance Office

ስለዝደለየ እዞም ቀፂሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉና መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  2. ሕጋዊ መቅረባይነት ዘለዎ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝበሉ ወረቀት ምስክር ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  4. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቅዳሕ ገይሩ ከትሕዝ ዝክእል
  5. ፀብፃብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወርሒ መስከረም 2008 ዓም ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  6. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 22 ጥቅምቲ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 6 ሕዳር 2008 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቀፅሪ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ክፍሊ ቁፅሪ 22 ክዉስዱ ዝክእሉ
  7. ጨረታ 6 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 6 ሕዳር 2008 ዓመ ሰዓት 8 ፡30ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  8. መክበሪ ጨረታ ኣብ ፈርኒቸራት ማለት እዉን ኣቁሑት ኣብያተ ፅሕፈት ዝወዳደሩ 5,000 ቅርሺ ንኩሎም ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ letter of credits ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ከትሕዝ ዝክእል
  9. ናይ ኤለክትሮኒክስ ዝወዳደሩ 3,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ letter of credits ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ከትሕዝ ዝክእል
  10. ንመሳርሒ ፅሕፈት 3,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
  11. ኣብ ስራሕቲ  ሕትመት ዝወዳደሩ መክበሪ ጨረታ 4,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ letter of credits ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ከትሕዝ ዝክእል
  12. ተጫረታይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ድሕሪ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕልዋና ፊርማን ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ብምግባር ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ
  13. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344444966 ወይድማ 0344442866 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል