ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ወንበር መዕረፊ ጋሻ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ዝምልከተኩም ትካላት ፍቃድ ዘለኩም በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቁሓ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም
-
ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሱን ክኮኑ አለዎም::
-
ተጫረቲ VAT ዝተመዝገቡን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ(TIN) አብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኮኖም መረጋገፂ ከቅርቡ አለዎም::
-
ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባነኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብር 3000.00 ብር ምስቲ ሰነድ አታሐሒዙ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክእቱ አለዎ::
-
አብ ጨረታ ዘሸነፉ ተጫረቲ ዉዕሊ ክእሰሩ አብ ዉሽጢ ሐሙሸተ መዓልቲ ቐሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ ብር 10 % CPO ጥራሕ ዉዕሊ መክበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ሓለዎም መፂኡ እንተዘይእሰር ግና ዘትሐዞ ጨረታ ምክበሪ ይዉረስ
-
ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ አሸናፊ እንተኮይኑ ዘሸነፎ ፅ መሳርሒ በቲ ዘእተዉዎ ዉዕሊ በቲ እስፕስፊከሽን መሰረት ከረክብ ይግባእ::
-
እብቲ ጨረታ ብዘይ 2ይ ን 3ይ ን ዝኮኑ ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ዝሰዓረ አካል ዉዕሊ ምእሳር ሽዑንሽዑ ይምለሰሎም ::
-
ተጫረቲ ዝጫረትሉ ዋጋ ብዝተአሸገ ፖስታ እንቨሎፕ ብምግባር አብ ዝተዳለወ ናየ ጨረታ ሳንዱቅ ካብ ዝትጋወሐሉ ዕለት 06 /12/ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 16 /12 /2006 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ቀትሪ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክተእትዉ ትክእሉ ::
-
እቲ ጨረታ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ዕለት 16/12/2006 ዓ/ም ሰዓት 4 :30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣበ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይክፈት::
-
ተጫረቲ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ወይ ዋጋ ነዙይ ተባሂሉ ተዳልዩ ኣብ ዝዋሃቦም ቅጥዒ ጥራሕ ኮይኑ ስርዝ ድልዝነ ናይቲ ተወዳዳራይ ማህተም እንድሕር አይብሉ ፈፂሙ ተቀባልነት ይብሉን::
-
ተጫረቲ ቢሮ ብቁፅሪ 14 መፂእኩም ብር 20.00 ብምክፋል ሰነድ ምግዛእ ትክእሉ ::
-
ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረጺፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ እዚ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ::