Mekelle Training for Disabilities center

  • ናይ ህንፃ መሳርሒ

  • ናይ ስነ ፅባቐ ከስሞቲክስ

  • ናይ ጥልፍን ቅድን ስፌትን

  • ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ፅሬት ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደረቲ ይዕድም

ኣብቲ ዉድድር ክትሳተፉ ትደልዩ

  1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ዘቕርብ::

  2. አብ ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገበ መኮኑ ክሳብ መስከረም 30 /2008 ዓ/ም ምኽፍል ዘረጋግፅ ዴክሌሬሽን መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቕርብ ዝኽእል::

  3. ግብሪ ከፋሊ ምዃኑ ናይ ግብሪ ከፋሊነት መለለይ ቁፅሪ/ ቲን ናምበር / መረዳእታ ከቕረብ ዝኽእል::

  4. ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪብር 3000.00 ብጥረ ገንዘብ /ካብ ኢትዩያ ንግድ ባንከ ኣፍለጦ ዝተወሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣቐዲሙ ከትሕዝ ዝክእል::

  5. እቲ ጨረታ ምስዓሩ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት/ መጎዓዝያ /ናብ ማእ መሰ ጉድኣት ኣካል ከቕርብ ዝኽእል::

  6. ጨረታ ስዒሩ ዉዕሊ ምእሳር ፍቓደኛ ዘይኮነ ተጫራቲ መቅረቢ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዘ ገንዘብ አይምለሰሉን ናብ ትካልና ኣታዊ ይኸዉን

  7. ተጫረቲ አብ ናይ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምኮኖም ዘረጋግፅ ወረቐት ምስክር ከቕርብ ዝክእል::

  8. ተጫረቲ ዝተዳለወ ሰነድ አብ ማእኸል መሰልጠኒ ጉድኣት አካል መቐለ ንብረት ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ብምቕራብ ንሕድሕድ ሰነድ ብር 20.00 ከፊሎም ምስ ወሰዱ ዝጫረትሉ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ /እዚ ምልክታ ካብ ዘወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናብ ዘተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይኽእሉ::

  9. ተጫረቲ መወዳደሪኹም ካብ 16/02/08 - 06/03/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅ/ሰዓት ናብ ማእ/መሰ/ጉድ/አካል ክትቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም::

  10. ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 06/ 03 /2008 ሰዓት 3:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ቅ /ሰዓት ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት::

  11. እዚ መሰልጠኒ ማእኽል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

  12. ተጫረቲ ሰዓርቲ ምኮኖም ምስ ተነገሮም አብ ዉሽጢ 5 ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክትአስሩ እትክእሉን ካብ ዝሰዓርኽምዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ክተትሕዙ ፈቃደኛታት ዝኾንኩምን ዉዕሊ ክትአስሩ ፈቓደኛታት ተዘይኾንኩም መቕረብቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘተሐዝክምዎ ገንዘብ ናብ ትካልና አታዊ ዝግበር ምኮኑ ንገልፅ::

  13. ተጫረቲ ስዓረቲ ምኻኖም ምስ ተነገሮም ንዘቕርበዎ ንብረት መርአይ ከቕርቡ አለዎም::

  14. ጨረታ ዝኽፈተሉ አብ ቑፅሪ 10 ተ ዝተጠቀሰ ከምዘሎ ኮይኑ ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪል/ ብእዋኑ ከቕርቡ ብዘይ ምክአሎም ሰዓት ዝተወሐሉን ዘይተከፈተ ዝተርፍ ፖስታ ዘየለ ምካኑ ኩሎም ተወዳደረቲ ከትፈልጡ ይግባእ::

  15. ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብእዋኑ ተዘይ አቕሪቦም ናይ ዝዘንግዐሉ መዓልቲ ካብ ዝሰዓርዎ ገንዘብ በቢ መዓልቲ 1/1000(0.001) ዝቕፅዑ ምካኖም ::

  16. እዚ መሰ/ኣካል ወይከዓ ትካልና ከም ኩነታቱ ክሳበ 20 % ክዉስክን ክቕንስን ይኽእል እዩ ::

  • ንተወሳኪ ሓበሬታ

ብስልኪ ቁፅሪ 0914780376 /0914734567 /0914749629 ደዊልካ ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ::