ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ መቕረብቲ ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ : ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም : ቫት ተመዘገብቲ ምዃንኩም መረዳአታ መለለይ ካርድን ከምኡዉን ዝተሃደሰ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትክእሉ ናብ ትካልና ቤት ፅሕፈትና ብምቕራብ ዝርዝር ናይቲ አቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 50 /ሓምሳ/ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 16 /2/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02 /3/2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ/ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ::
-
ምስቲ ስራሕ አግባብ ዘለዎ ናይ 2007/2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል
-
ዝተመዝገበሉ መለለይ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል
-
ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ምስክር ወረቐት ዘለዎነ ዝክፍልን ኮፒ ከቅርበ ዝክእል
-
ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቀት ክቕርብ አለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል
-
ናይቲ ጨረታ መክበሪ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ናይ ማይ ትቦታትነ መገጣጥምን ብር 5000 (ሓሙሽተሽሕ) : ናይ ኤሌክትሮኒከስ ንብረታት ብር 3000 ( ሰለስተ ሽሕ) : ናይ ኤለክትሪክ ንብረታትን ብር 4000 (ኣርባዕተ ሽሕ ) ከምኡ እዉን ናይ ፈርንቸር ንብረታት ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ ) ብኣፍለጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓዓዲ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዝብ ዝኽእል:;
-
ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ::
-
ናይ ወርሒ መስከረም ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ኽቕርብ አለዎ::
-
ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ፈሳስን ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን /ምም/ ር ብምዉሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፅን የእቱ::
-
እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ 02/3/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ንጉሆ ድሕሪ ይፀንሕ::
-
ጨረታ ዝኽፈተሉ ሳፁን ዕለት 03/08/2007 ዓ/ም ሰዓት 2:31 ናይ ንጉሆ ይዕሸግ::
-
ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ኮይኑ ዕለት 02/ 03 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:35 ንጉሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ዘይተረኽብሉ እዉን ኣማሊኡ እተተረኺቡ እቲ ጨረታ ፖስታ ዝኽፈት ምካኑ::
-
ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጎዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ባዐሉ ይሽፍን/ ናብ ዓ/ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ የረክብ::
-
ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ተከታተለቲ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት ብሙሉእነት የቕርብ::
-
ብአሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ኣቑሑት ንዘይኣቅረበ መቕረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት አብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቕፃዕ::
-
ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወስዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል አቐሚጡ ክወዳደር አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ዉድቂ ይኽዉን::
-
ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃእን አብቲ ቅጥዒ መብረሂ ኣብ ዝብል ምምላእን ኣይፍቀድን::
-
ተወዳዳሪ ተጫራታይ አብ ዘቕርቦ ናይ ግለፂ ጨረታ ሰነድ ሽሙ : ፌርሙኡነ ኣድራሽኡን ማህተመ ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት ) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ አፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::
-
እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::
-
እቲ ዝቐርብ ሕድ ሕድ ንብረት ኦርጅናል ክኽዉን አለዎ::
-
ናይ ኤሌክትሪክ ኳልኩሌተር: ድጅታል ካሜራ: ኮምፒተር ሕድ ሕዶም ናይ ሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝኽእል::