Abiy Adi Water Supply Office

ዝስዕብ ረቆሒ እተማልኡ ሰብ ሙያ ሕጋዉያን መቕረብትን ሰብ ንብረትን ኣብቲ ዝተዳለወ ናይ ግለፂ ጨረታ ሰነድ ክትሳትፉ ትኽእሉ::

ስለዚ  ክትጫረቱ  እትደሊዩ መቕረብቲ ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ : ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም : ቫት ተመዘገብቲ ምዃንኩም መረዳአታ መለለይ ካርድን ከምኡዉን ዝተሃደሰ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትክእሉ ናብ ትካልና ቤት ፅሕፈትና ብምቕራብ ዝርዝር ናይቲ አቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 50 /ሓምሳ/ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ  ካብ ዕለት 16 /2/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02 /3/2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ/ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ  እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ::

1 ምስቲ ስራሕ አግባብ ዘለዎ ናይ 2007/2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

2 ዝተመዝገበሉ መለለይ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ምስክር ወረቐት ዘለዎነ ዝክፍልን ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

4 ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቀት ክቕርብ አለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

5 ናይቲ ጨረታ መክበሪ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ናይ ማይ ትቦታትነ መገጣጥምን ብር 5000 (ሓሙሽተሽሕ) : ናይ ኤሌክትሮኒከስ ንብረታት ብር 3000 ( ሰለስተ ሽሕ) : ናይ ኤለክትሪክ  ንብረታትን ብር 4000 (ኣርባዕተ ሽሕ ) ከምኡ እዉን ናይ ፈርንቸር ንብረታት ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ ) ብኣፍለጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓዓዲ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዝብ ዝኽእል:;

6 ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ::

7 ናይ ወርሒ መስከረም ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ኽቕርብ አለዎ::

8 ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት  መስተ ማይ ፈሳስን  ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን /ምም/ ር ብምዉሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፅን የእቱ::

9 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ 02/3/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ንጉሆ ድሕሪ ይፀንሕ::

10 ጨረታ ዝኽፈተሉ ሳፁን ዕለት 03/08/2007 ዓ/ም ሰዓት 2:31 ናይ ንጉሆ ይዕሸግ::

12 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ኮይኑ  ዕለት 02/ 03 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:35 ንጉሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ  ወኪል ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ዘይተረኽብሉ  እዉን  ኣማሊኡ እተተረኺቡ  እቲ ጨረታ  ፖስታ ዝኽፈት  ምካኑ::

12 ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጎዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ባዐሉ ይሽፍን/ ናብ ዓ/ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ የረክብ::

13 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት  ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ተከታተለቲ ስራሕ መዓልቲታት  ንብረት ብሙሉእነት የቕርብ::

15 ብአሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ኣቑሑት ንዘይኣቅረበ መቕረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት አብ መዓልቲ  1/1000 ብር ይቕፃዕ::

16  ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወስዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል አቐሚጡ ክወዳደር አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ  እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን  ዉድቂ ይኽዉን::

16 ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃእን አብቲ ቅጥዒ መብረሂ ኣብ ዝብል ምምላእን  ኣይፍቀድን::

17 ተወዳዳሪ ተጫራታይ አብ ዘቕርቦ ናይ ግለፂ  ጨረታ ሰነድ ሽሙ : ፌርሙኡነ  ኣድራሽኡን ማህተመ ናይቲ መቕረባይ  (ድርጅት ) ብትክክል ዘየቐመጠ  ንምንባብ  አፀጋሚ  ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::

19 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

20 እቲ ዝቐርብ  ሕድ ሕድ ንብረት ኦርጅናል ክኽዉን አለዎ::

21 ናይ ኤሌክትሪክ ኳልኩሌተር: ድጅታል ካሜራ: ኮምፒተር ሕድ ሕዶም ናይ ሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝኽእል::