Laelay maichew Planning and Finance Office

ንዝርከብ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ሞተር ሳይክልን  ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቁሑትን  ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቋሒ ተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ   ዘለዎ ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለ ን 2008 በጀት ዓመት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ
  2. ናይ ነጋዳይ መለለዩ ቁፅሪ ቲን ነምበር ዘለዎ
  3. ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር  ዝተመዝገበ
  4. ቫት  ዝተመዝገበን  ናይ ነሓሰ ወርሒ 2007 ዓ ም ሒሳቡ ዘፍለጠን  ወይዉን ዲክላረሽን ዝገበረ
  5. ልዕል ክብሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቋሕታት  መረዳእታ ዋንኡን ሓደ ፎቶ ኮፒኡን  ከቅርብ ዝክእል
  6. ንጨረታ መክበሪ ንዘይሰዓረ ሹዑ ንሹዑ ዝምለስ  ንናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት  3000 ቅርሺ  ፣ንናይ ሞተር ሳይክል  መለዋወጢ ኣቁሑት 5000 ቅርሺ ፣ንጎማ ባትሪ  5000 ቅርሺ  ብጥረገንዘብ  ወይ ተረጋጊፁ  ዝቀረበ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ  5 መዓልቲ ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  8. ዝሰዓሮ ንብረት  በቲ ዝተወዳደረሉ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ  ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን  ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  9. ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ  ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ  ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 17 ማእከላይ ዞባ  ምምሕዳር ህንፃ ኣብ ምድረሪ ቤተ ይከዉን
  10. ንመካይን መለዋወጢ ኣቁሑት 50 ቅርሺ፣ ንሞተር ሳይክል መለዋወጢ 50 ቅርሺ ፣ንጎማ ባትሪ 50 ቅርሺ ምካኑ እንዳገለፅና ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂእኩም ምዉሳድ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ
  11. ተጫረቲ ንሓደ ተቅርብዎ ዋጋ መሊእኩም  ብሽምኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም  ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሰዓትኣብ ከይዲ ስራሕ  ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
  12. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 25 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡30 ናይ ንጉሆ ይከዉን
  13. ጨረተታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ  25 ጥቅምቲ  2008 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ይከዉን  ።ብዘይለዉሉ ንክክፈተሎም ዘመልከቱ  ምትእንጋድ ከምዝከኣል ንገልፅ
  14. ቤት ፅሕፈትና መማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  15. 20 ሚኢታዊ ምቅናስ ወይዉን ምዉሳክ  ከምዝከኣል ክፈልጥ ይግባእ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347753263 ብምድዋል ምሕታት ይካአል