Humera technical and vocational college

ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ኣይቲ ፣ኤለክትሪክ ፣ህንፃን ብረታብረትን ፣ ናይ ምረቃ ጋዉንን ካልኦት ኣቁሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፎ ትክእሉ

መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ

  1. ናይ 2008 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም

  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምሉ TIN ሰርትፍኬት ክተቅርቡ እትክእሉን

  3. ንተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT ዝተመዝገብኩምን ፣ VAT ምዝገባ ሰርትፍኬት ናይ ወርሒ ነሓሰ VAT ዲክላረሬሽን ከትቅርቡ ትክእሉ

  4. ኣብ 2007 /2008 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ

  5. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታተልቲ መዓልቲ ብነናይ በዓልኩም መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅና ክተቅርቡ እትክእሉ

  6. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ምድብ መወዳደሪ (LOT) ቴክኒካል መረዳእታ ቅዳሕ ክተትሕዙ ዝክእሉ

  7. መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፊርማን ዝዓረፎ ክከዉን ኣለዎ

  8. ተጫረቲ ንሕድሕድ ዝወዳደርዎ ምድብ መወዳደሪ (LOT) ዘይምለስ ብር 50 እናከፈሉ ካበ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን መቀለ ካብ ዕለት 26 /01 /2008 ዓ ም ክሳብ 10 /02 /2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡00 እናመፁ ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ዝክእሉ

  9. ተጫረቲ ንዝወዳድርዎ ምድብ መወዳደሪ (LOT)

  • ንምድብ መወዳደሪ ሓደ/ዜሮ ሓደን ሓደ/ ዜሮ ክልተን (lot 1 /01/ &1/02 ) ብር 15,000 (ዓሰርቲ ሓሙሽተ ሺሕ)

  • ንምድብ መወዳደሪ ክልተ (lot 02) ብር 5000 (ሓሙሽተ ሺሕ)

  • ንምድብ መወዳደሪ ሰለስተ (lot 03) ብር 3000 ( ሰለስተ ሺሕ)

  • ንምድብ መወዳደሪ ኣርባዕተ /ዜሮ ሓደን ኣርባዕተ /ዜሮ ክልተን ( lot 4/01 &4/02) ብር 5000 (ሓሙሽተ ሺሕ )

  • ንምድብ መወዳደሪ ሓሙሽተ (lot 03) ብር 3000 (ሰለስተ ሺሕ)

ናይ ጨረታ ምክበሪ ብር ብ CPO / ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ

  1. ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክከፍሉ ዝክእሉ

  2. እቲ ጨረታ ዕለት 11 /02 /2008 ዓ ም ልክዕ ሰዓት 3 ፡30 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓተ 4፡ 00 ኣብ ቢሮ ቴ ∙ሙ∙ ት ∙ስ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋየናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተፃረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

ተወዳደርቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጋገልን

  1. ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

  2. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ኮኬጅና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ወይንከዓ ክዉስክ ይክእል እዩ

  3. ተወዳደርቲ እተቅርብዎ ንብረት ኣታዊ ዝከዉን ብቴክኒክ /ፅሬት ኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ይከዉን

  4. ኣብ እዋን መክፈቲ ጨረታ ተጫረቲ ኦርጂናል ዶክሜንት ሒዞም ክርከቡ ኣለዎም

  5. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480510 /11 ወይ ድማ ብሞባይል ቁ 0912691561 /0932919420 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ