Axum Polytechnic College

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን ኮፒ ተቕርቡ

2 መለለይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለኩምን ኮፒ ተቕርቡ

3 ተወሳኪ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ሐምለ ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ተቕርቡ

4 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩምን ኮፒ ተቕርቡ

5 ንፅሕፈት መሳርሒ ንኤሌክተሮኒክስ ኣቑሑት ንመኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ቫት ዝተመዝገብኩም ጥራሕ ትወዳደሩ

6 ንፅሬት ኣቑሑት ንሕንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ንኤሌክትሪክ ኣቑሑት ንሕትመትን ቫት ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን ክትወዳደሩ ትክእሉ

7 ንጨረታ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ : ንኤሌክተሮኒክስ ኣቑሑት ንመኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ንሕድሕድ ብር 5000 ንፅሬት ኣቑሑት :ንሕንፃ መሳርሒ ኣቑሑት :ንኤሌክትሪክ ኣቑሑት ንሕትመትን ንሕድሕድ ብር 2000 ብጥረ ገንዘብ ብስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ትኽእሉ

8 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 06 /01/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ኣክሱም ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳር

10 ጨረታ  ዝኽፈተሉ ዕለት 06/01/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:45 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ ዘድሊ መረዳእታ ጨረታ ምኽበሪን አማሊኡ ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋት ዘይተረኸበ ተወዳዳራይ ከምዝሎ ተሓሲቡ ክወዳደርን ንዘሸነፎ ከቕርብን ይግደድ

11 ንኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ንፕሪንተርን ፎቶ ኮፒን ቀለማትን ንሕድሕድ ናይ 3 ወርሒ ዉሕስና ክህብ ዝኽእል

12 ንዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ አሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሊ መጓዓዓዚ መፅዐንን መራገፍን ናብ ኮሌጅና የቕርብ

13 ናይ ዝሰዓሮ ንብረት መኽበሪ ዉዕሊ 10% ብጥረ ገንዝብ ስፒኦ ዘትሕዝ

14 ካብቲ ንጨረታ ዝወፀ ንብረት 20% ክቅንስን ክውስክን ከምንክእል

15 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ዶክሜንቶም ማህተምን ፊርማን ባዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ተቐባልነት ኣይህልዎን

16 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

17 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ብምምፃእ ወይም ብስልኪ ቁፅሪ 0347753705 ምድዋል /ምሕታት/ ይከኣል