Relief Society Tigray

ማሕበር ረዲኤት ትግራይ /ማረት/ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፔር ፓርትታት ዘገልገሉ ጎማታት ካልኦት ዝተፈላለለዩ ንብረታት ብጨረታ መልክዕ ክትሸይጥ ስለ እትደሊ ኣብ’ቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትድልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 18 ሕዳር 2006 /ም ሰዓት 6:00 ናይ ንግሆ ኣብ ዘለው ናይ ስራሕ መዓልቲታት ናብ ቢሮ ቁፅሪ 304 ክተቅርቡ ንዕድም። ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 18 ሕዳር 2006 /ም ሰዓት 3:00 ናይ ንግሆ ኣበ ቤት ፅሕፈት ማረት መቀለ ምኳኑ እናገለፅና እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ንክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምኳኑ ንገልፅ።


 

መተሓሳሰቢ

  • ሕድሕድ ተጫራቲ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ክልል ቤት ፅሕፈት ማረት ቢሮ ቁፅሪ 304 ክወስድ ይግባእ።

  • ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ናይ ዝጫረትዎ ንብረት ዋጋ 2% ብሲፒኦ መልክዕ ክትሕዙ ከምዝግባእ ንፈልፅ።

  • ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራቲ ካብ ዝሰዓረሉ ሰዓት ጀሚሩ ንብረቱ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ጠቅሊሉ እንተዘይኣልዒሊ ዘትሐዞ ሲፒኦ ኣታዊ ኮይኑ ጨረታ ከም ዝስረዝ ነፍልጥ።


ምስ ሰላምታ

ማረት