Tigray Martyrs’ Memorial Monument center

ምልክታ ግልፂ ጨረታ


 

ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ ናይ ክልተ ዓበይቲ መእተዊ በሪ ፅሑፍ ምስ መስቀሊኡ ኣበ ዉሽጢ እቲ ማእኸል ዝተፈላለዩ ፅሑፋትን ሕትመታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደሊ ተጫረቲ

1 ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፈቃድ ዘሐደሱ ቫት ሬጅስተርድ ዝኮኑ: ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡ : ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡ መረዳእታ ዘቅርቡ ናይ ግብሪ መኽፈሊ ቁፅሪ /TIN/ ዘለዎም ወይ ድማ ምምዝገቦም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

2 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ::

3 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብረ 50 .00 /ሓምሳ ብር /ብምኽፋል ካብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማአታት ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 51 ምዉሳድ ይኽእሉ::

4 ተጫረቲ ዝወሰድዎ ሰነድ ብጥንቃቐ ብዝተአሸገ ፖሰታ ብምግባር ናይ ትካሎም ማህተም ብምገባር ከቅርቡ አለዎም

5 እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 20/ 4 /2007 ክሳብ 5/5 /2007 ሰዓት ዓ/ም ኣብ አየር ይፀንሕ::

6 እቲ ጨረታ ዕለት 5/5 /2007 ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ዘይተረኸብሉን ቢሮ ቁፅሪ 51 ይኽፈት::

7 እቲ ማእኸል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

8 እቲ ናይ ሕትመትን ፅሑፍን ስራሕቲ በቲ ዝድለ መሰረት ብፅሬት ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል ::

9 ተጫረቲ አቲ ዝስራሕ ሕትመትን ፅሑፋትን ስታንዳርዱ ብዝሓለወ መልክዑ ዝስራሕ መብራህቲ ዝበርህ ናይቶም ዝሰርሑ ዓቐን ማተሪያላት በቲ ተተሓሒዙ ዝቐረበ መሰረት ግልፂ አብ ዘይኮኑ እቲ ማእኸልና ኪኢላታት ብምዝርራብ ብፅሬት ክሰርሕ አለዎ::

0914169568 ዕዳጋ ክፍሊ