ግልፂ ጨረታ
ቢሮ ርክብ ህዘቢ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓም ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ቢልቦርድን መስቀሊ ዝከዉን ሓፂን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ::
በዚ መሰረት አብዚ ጨረታ ክትሳተፍ እትደለዩ ተወዳደረቲ እተማልአዎ ሮቕሓ::
1 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ቫት ተመዝገበቲ ዝኮኑ መፍለይ ቑፅሪ / TIN/ ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኮኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ::
2 መክበሪ ጨረታ
ብር 2000. 00 /ክልተ ሸሕ / ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ::
3 ዋጋ ሰነድ ጨረታ
ዘይምለስ ብር 20.00 /ዒስራ ብር / ብምኽፋል ጨረታ ሰነደ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 22 ካብ ዕለት 02/ 04 / 2007 ዓ/ም አብ ዘሎ መፂኹም ምግዛእ ትክአሉ ::
4 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት::
4.1 ዕለት 16 /04/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ልዕል ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት::
5 ቢሮና ዝዕድጎም አቐሑት ከምኣድላይነቱ 20 % ናይ ምዉሳክ ወይም ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
6 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % አትሒዙ ዉዕሊ ብምእሳር አብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ ሰራሑ ከረክብ ዝክእል::
7 ሰዓራይ ንዘሽነፎም አቐሑት በቲ ዝወፀ ስፐስፊክሽን መሰረት ኦርጅናል አቁሑት ምኮኖም ምስተረጋገፁ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና አታዊ ይገብር::
8 እዚ ጨረታ ፀኒዑ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ዝፀንዐ ይኸዉን::
9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምንራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮና ዝርከበሉ ፊት ለፊት ኣግአዚ ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል ::
ስቑ 0344 40 93 43 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ::
ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ