Tigray Mine and Energy Agency

ግልፂ ጨረታ ምልክታ
ዓይነት  ጨረታ ዓዲ ዉሽጢ  ግልፂ  ጨረታ
ንኤጀንሲ  ማዕድንን  ኢነርጂን  ክልል ትግራይ  ንባዪ  ፊዩል  ናይ  ስርፀትን  ምርምርን  ስራሕቲ  ቴክኖሎጂ   ግልጋሎት  ዝዉዕል ናይ ህንፃ  መሳርሒ  ኣወዳዲሩ  ብግልፂ  ጨረታ ክዕድግ  ስለዝደልይ  ብዘርፉ  ሕጋዊ  ነጋዶ ዝኮነኩም  ክትወዳደሩ ይዕድም
ክማልኡ  ዝግባእም  ረቆሒታት::
1  ናይ  2007 ዓ/ም  ንግዲ  ፍቓድን  ሓዱሽ  መቕረባይነትን  ዘሐደሰ  አብ ቢሮ  ትልምን  ፋይናንስን   ዝተመዝገበሉ   ቲን  ከቅርብ  ዝክእሉ  ቫት  ተመዝገብቲ  ዝኸንኩም  ጥራሕ  ክትወዳደሩ  ይዕድም ብተወሳኪ  ድማ ናይ  ጥቅምቲ  ወርሒ 2007 ዓ/ም ቫት  ዲክለረሽን   ከቕርብ  ዝኽእሉ::
2  ተጫረቲ  ናይ መኽበሪ  ጨረታ ብር  5000.00 ከትሕዙ  አለዎም::
3  ዝተዳለወ  ጨረታ  ደኩሜንትን  ዝርዝር  መምርሒ  ጨረታን  ንሕድሕድ  ጨረታ  ሰነድ ዘይምለስ  ብር 20ቕርሺ  ብኽፋል  ካብ  ማሕበር  ልማዓት  ትግራይ  ህንፃ  ኤጀንሲ  ማዕድንን  ኢነርጂን  ቢሮ  ቁፅሪ  115 ካብ   ዝተጋወሐሉ  ዕለት  ጀሚሩ  ክሳብ  ዕለት  29/ 03/ 2007 ዓም  ሰዓት  11:30  ብስራሕ  ሰዓት  ምዉሳድ  ይከኣል::
4 ጨረታ  ዝወፀሉ  ዕለት  16/ 03 /07 ዓ/ም::
5  ጨረታ  ዝዕፀወሉ   ዐለት  30 /03 /07 ሰዓት  3:30  ቅድሚ  ሰዓት::
6  ጨረታ ዝክፈተሉ  ዕለት  30 /03/ 07 ሰዓት  4:00 ቅድሚ  ሰዓት::
7 በቲ ጨረታ  ዝተሰዓሩ  መቅረብቲ  ወይ ግልጋሎት  ወሃብቲ  ጨረታ  ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ  ተፈሊጡ  ዉዕል  ኣሲሩ  ንብረት  ኣታዊ ምስ ገበሩን ዘትሓዝዎ  ናይ ጨረታ  መኽበሪ ይምለሰሎም::
8  ካብቲ  ዝተቀመጠ  ስፐስፊኬሽን  ወፃኢ  ካሊእ  ኣማራፂ ተባሂሉ  ዋጋ  ከቅምጥን ኣብቲ ስፐስፊኬሽን  ዘይተነፀረ   ንብረት ምቕማጥ ኣይፍቐድን   ዉድቅ  ድማ  ይከዉን::
9  ኤጀንሲና  ዝተቐመጠ  በዝሒ  25 %  ክዉስክን  ክቕንስን  ይኽእል::
10 ቤት  ዕዩና  ዝሐሸ መማረፂ  እንተረኪቡ እቲ ጨረታ  ብሙሉእ  የኹን  ብኽፋል  ናይ   መስራዝ መሰሉ  ዝተሐለወ  እዩ::
11  ጨረታ  ሰዓረይ  መቅረቢ  እቲ  ንብረት  ዉዕል  ካብ  ዝአሰረሉ  ኣብ ዉሽጢ  5 ተ  መዓልቲ  አታዊ  ይገብሩ::
12  ተጫረቲ  ዋጋ  ዘቅርብሉ  በቲ  ዝወፀ  ስፐስፊኬሽን  መሰረት  ፅሬቶም  ዝሐለዉን  ኦርጅናልን ምኮኖም  አረጋጊፁ  ከመልእ  ይግባእ::