South East Zone Central Court

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዞባ ደቡብ ምብራቅ ማእኸል ቤት ፍርዲ ካብ 2007 ዓ/ም መደበኛ በጀት ናይ ሕትመት : ፅ /መሳርሒ : ፅሬት አቐሑት ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ስለዚ ክትወዳደሩ እትደሊዩ::

በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልአዎ ዝግባእ ረቆሒ

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግሰቲ ከፊሎምን ንግዲ ፍቃድ ዘተሐደሰ ከቅርቡ ዝክእሉ ቲን ቐፅሪ ዘለዎም ቫት ዝተመዝገቡ ምኮኖም መረዳእታ ዘቕርቡ::

  2. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ በቲ መምርሒ ዘፈቅድ ከትሕዙ ዝክእሉ ብ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ ኦርጅናልን ናይ ጨረታ ዶክመንትን ብሽመ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝክእሉ::

  3. ናይ ክልል ይኩን ናይ ፌዴራል ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊከት ከቅርብ ዝክእሉ::

  4. ወርሓዊ ዴክላሬስን ከቅርብ ዝክእል::

  5. ኣብ ዝቐርብ ናይ ጨረታ ዶክመንት ኣብ ሕድሕድ ፌርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ አለዎ::

  6. ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ዝርዝር ስፔስፌከሽን ጨረታ ብድምፂ ወያነ ሬድዩ ካብ ዝተቃለሐ ዕለት 15 /03 /2007 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ማእከል ቤት ፍርዲ እኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ብምምፃእ ዘይምለስ ብ 50 .00 /ሓምሳ ቅርሺ/ ጥራሕ ብምክፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 30/03 /2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ንጉሆ ኣብ ዘሎ እዋን አብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይካአል::

  7. እቲ ጨረታ ዕለት 30 /03 /2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት እቲ ሰዓት 3:30 ዞባ ደቡብ ምብራቅ ማእከል ቤት ፍረዲ ፋይናንስን ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከበሉ ይኽፈት::

  8. ተጫረቲ ቢሮ ካብ ዘወፁኦ እስፐስፌከሽን ዝርዝር ወፃኢ ምቅራብ ኣይከልን ካብኡ ወፃኢ ዘቅርብ ወርቂ ይኸዉን ከሙኡ እዉን ብእርሳስ ክምላእ የብሉን::

  9. ተጫራታይ ሰዓራይ ምኮኑ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መኽበሪ 10 % ብምሐዝ ካብ ዉዕሊ ዘአተወሉ እዋን ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ አታዊ ይገብር እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ የቕርብ::

  10. እቲ ቢሮ ካብቲ ዝትዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 20 % ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል አለዎ::

  11. ተጫራታይ ግልፂ አብዘይኮኖሎም ነጥብታት መብርሂ ወይ መማሐየሺ ሕቶ ከቕርብ ዝክእል ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ቕድሚ ምብፅሑ ይኸዉን ::

  12. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ ተረከቡ ብክፊል ይኩን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ማእከል ቤት ፍርዲ መተሓባበሪ ፋይናንስን ዕዳጋን ንብረትን ምምር ስቁ 0344403310 ምሕታት ይካአል ቤት ፅሕፈትና ዘለዎ አድራሻ ቀበሌ 16 እስታስቲክስ ቢሮ ዝነበረ::