Setit Humera Planning and Finance Office

1 ናይ ዘመኑ ዝግብኦም ግብሪ ከፊሎም ንግዲ ፍቃዶም ዝሐደሱ ምካኖም መረጋገፂ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ቲን ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳአታ ምስክር ወረቀት ኦርጅናል ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

3 መቅረባይነት ዝተመዝገበን ናይ ዘመን ዝሐደሰን

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ ቅድሚ ጨረታ ምካፈቱ ናይ ወርሒ መጋቢት ቫት ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫራታይ ንዝሰዓሮም ቀወምቲ ኣቅሑት ዉሕስና ክህብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ዉሕስና ንሕድሕድ ሎት ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ዝፍለጥ ባንኪ ሒሳብ 1000539673727 ኣታዊ ገይሩ ናይ ባንኪ ኣታዊ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

7 መከበሪ ጨረታ ሎት ሐደ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈታት 3000 : ናይ ፅሬት ኣቅሑት 3000 : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 26000

8 ተጫረቲ ንዝሸነፍዎ ጨረታ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ፊት ንፊት 200 ሜትሪ እትዉ ኢልካ ዲያስቦራ መንደር ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ዝክእል

9 ተጫራታይ ዝጫረትሉ ዋጋ ኣብ ዝገዝእዎ ኦርጃናል ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ገይሮም እዚ ምልከታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ነዚ ተባሂሉ ናበ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ዝክእል

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን ዉዕሊ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ ብር ንሕድሕድ  ንሎት  100 ብር : ንሎት ኣርባዕተ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 200 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ሽረ እንዳስሴ ቤት መዘጋጃ  ፊት ንፊት 200 ሜትሮ እትዉ ኢልካ ዲያስፖራ ኣብ ዝርከብ ቢሮና 2ይ ደብሪ ምዉሳድ ይከኣል

12 ቤት ፅሕፈትና እብ ዝዳለዎ ናይቲ ትካል ሽም ፊርማ ማህተም ኣድራሻን ስልኪ ቁፅሪ አብ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል

13 ተጫራታይ ኣብ ዝጭረትሉ ሰነድ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ነንበይኑ ዘቅርብን ብተወሳኪ ነንበይኖም ዝተዓሸጉ ኮይኖም ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም ፊርማ ኣድራሻ ሽምን ስልኪ ቁፅሪን ብምግባር ክልቲኡ ፖስታ ናብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምሽግ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም ፊርማ ኣድራሻ ሽምን ስልኪ ቁፅሪን ብምግባር ኩሎም ምስ ንግዲ ፍቃድ ዝተሓሐዙ ሰነዳት ኣብ ኦርጅናል ሰነድ ዓሺጉ ከቅርበ ዝክእል

14 እዚ ጨረታ ካብ ዝወሐሉ ዕለት ኣብ መበል 11 መዓልቲ ዕለት 27/8/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት  3:30 ሕጋዊ ተጫረቲ ወይ ወከላት ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

15 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐለሑ ግዜ 30 መዓልቲ እዩ

14 ጨረታ ዘሸነፈ ተወዳዳራይ ዘሸነፎ ንብረታት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታሊ መዓልቲ  ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት ድማ ኣብ 15 ተከታተሊ መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል

15 ተጨረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእ ናይ ተጫራታይ ሽምን ፊርማን ተዘይብሉ ተቀባልነት የብሉን

16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

17 ተጫረቲ ወይ ወኪል ብዛይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914218508 0914203348