Axum Municipal City

ጨረታ ብሬድዩ ድምፂ ወያነ ዝተጋወሐሉ ዕለት 18/8/2017 ዓም

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈ ልምዓት ደቀቅትን ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት ኣናእሸተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት : ንግድ ምዝገባን  ምስክር ወረቀትን : ንግዲ ስራሕ ፍቃድን  :ናይ ኮንስትርክሽን ወይ እዉን ተኮነተራይንት ምዝጋባ ካርድን : ወረቀት ምስክር ምዝገባ ከፋላይ ግብሪ : ወረቀት ምስክር መቅረባይነት : ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ምዝገባ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ እሴት ታክስ ዲክላራሽን ዘቅርብ

2 መክብሪ ጨረታ ብር 50,000.00 ቅርሺ ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ ዘቅርብ ኮይኑ ብናይ ቢሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካል ብዝተረጋገፀ ቼክ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ወይ እዉን ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረክብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 210 ተከታታል መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይን ህንፀትን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 2000 ቅርሺ ኣብ መዘጋጃ ቤታዊ እቶት ብምክፋል 28/7/2017 ዓም ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዲዛይን ህንፀትን ካልኣይ ደብሪ ኣፊስ ቁፅሪ 16 ምዉሳድ ትክእሉ

5 ተጫረቲ ዝመልእዎ ጨረታ ሰነድ ሐደ መሉኡ ኦርጅናል ደኩመንት ብክልተ ቅደሕ ድማ  ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ስራሕ መጠቃለሊ  ድምር ዋጋን ዲዛይንን ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት ኣናእሸተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት : ንግዲ ስራሕ ወረቀት  : ንግዲ ምዝጋበ ምስክር ወረቀትን  :  ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናተራይነት ብቅዓት ምዝጋባ ሰርተፊኬት : ናይ ግብሪ ከፋሊ  ምዝጋበ በሰርተፊኬት ማለት እዉን ቲን መቅረባይነት ሰርተፊኬትን  : ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን መከበሪ ጨረታን ሰነዳት ሐዶ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታት መሊስካ ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ዓሺጎምን ናይ ባዕሎም ሽምን ኣድራሻን ብተወሳኪ ናይቲ ትጫረትሉ ፕሮጀከት ኮንስትራክሽን ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ካልኣይ ደብሪ ኦፊስ  ቁፅሪ 16  ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 20/8/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ወይ ብወኪል ብምምፃእ ከእትዉ አለዎም

6 ተጫረቲ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዉነ ተረዲኦም ብምምላእ ፊርማን ማህተምን ብምዕራፍ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ዘሎ ዝነበሮ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም 

7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ 20/8/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ዝረከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ካልኣይ ደብሪ ኦፊስ ቁፅሪ 16 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ግምት ማሃንዲስ 9,372,145.73

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342750903