Abi Adi technical and vocational college

ቑፅሪ 067ዓ/ዕ/ፋ/ን/ም/ር/17 

ዕለት02/08/2017 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ

ኮለጅ ቴክኒክን ሙያን ዓ/ዓዲ ን2017 ዓ/ም ቀወምቲ ንብረትን ሃለቅቲ ንብረት ን ህንፃ ምልክታ ጨረታ መሳርሒ፣ንኤሌትሪክ ፣ኤሎትሮኒክስ ፣ኣውቶ ሞቲቭ ፣ፅሕፈት መሳርሒ ግልጋሎት ዝውዕል ንብረት ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ናብ ትካልና ብምቅራብ ዝርዝር ናይቲ ኣቑሑት ዝሓዘ ሰነድ ብር 100/ሚኢቲ/ ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ኮለጅ ቴክኒክን ሙያን ዓ/ዓዲ ዳሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ም/ር ቀሪቡኩም ካብ ዕለት03/08/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/08/2017 ዓ/ም ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ ከም እትኽእሉ እናገለፅና ተጨራታይ እዞም ቀፂሎም ዘለው ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ከማልእ ይግባእ ፡፡

1. ናይ 2017 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ ኮፒ ብምቅራብ

2. ዝተመዝገበሉ መለለይ ቁፅሪ /in/ ኮፒ ብምቅራብ ፡፡

3. ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቐት ኮፒ ብምቅራብ፡፡

4. ናይ 2017 ዓ/ም መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ኮፒ ብምቅራብ፡፡

5. - ናይቲ ጨረታ መክበሪ ን ህንፃ መሳርሒ፣ንኤሌትሪክ ፣ኣውቶ ሞቲቭ ፣ 6,000 ብር /ሽድሽተሽሕ ብር/ CPO /ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝኽእልን

- ናይቲ ጨረታ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ 3500.00 ብር CPO/ብጥረ ገንዘብ/ ክትሕዝ ዝኽእልን

- ናይቲ ጨረታ መክበሪን ኤሎትሮኒክስ 16,000.00 ብር CPO/ብጥረ ገንዘብ/ ክትሕዝ ዝኸእልን

6. ቫት ሓዊሱ ክመልእ አለዎ ፡፡

7. ናይ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ከቕርብ ኣለዎ።

8. ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ሙያን ዓ/ዓዲ ዳ/ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብምውሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተን ዝተዳለወ ሳዕን የእቱ፡፡

9. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ክሳብ ዕለት 17/008/17 ዓ/ም ሰዓት 9፡00ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፍቲ

ኮይኑይፀንሕ "

10. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ዕለት 17/008/17 ዓ/ም ሰዓት 9:00ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕሸግ፡፡

11. ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ኮለጅ ቴክኒክን ሙያን ዓ/ዓዲ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ዕለት 17/008/17 ዓ/ም ሰዓት 9:05 ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ፣ ኣብ ዘይተረኸብሉ እውን እቲናይ ጨረታ ፖስታ ከም ዝኽፈት ፡፡

12. ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጓዓዓዚ ኾነ መፅዓንን መራገፍን ባዕሉ ይሽፍን /ናብ ኮለጅ ቴክኒክን ሙያን ዓ/ዓዲ የርክብ፡፡

13, ተጨራታይ እቲ ጨረታ ኣሺንፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ውዕል ብምእሳር ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ከታተልቲ መዓልቲ ንብረት የቅርብ፡፡

14. ብውዕሉ መሰረት ብእዋኑ ንዘይኣቅረበ ኣቁሑት በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቅፃዕ ፡፡

15. ዝኮነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ዝተዳለወ ባዶ ሰነድ ጨረታ ብትክክል ኣቀሚጡ ክወዳደር ኣለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቅርብ እቲ ምስራቤት ኣይቅበሎን ውድቂ ይኸውን፡፡

16. ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይፍቀድን ኣድላይ ኣብ ዝኮነሉ ድማ ኣብመብርሂ ይመልእ

17. ኣብ ዘቅርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ስሙ ፌርሙኡን ኣድራሽኡን ማህተም ናይቲ መቅረባይ(ድርጅት) ብትክክል ከቅምጥ ኣለዎ ።

18. ንምንባብ ኣፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ ኣሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ትስረዝ፡፡

19. እቲ ትካል ኣብ ሓደ አይተም 20ምውሳክን ምቅናስን ይክእል እዩ፡፡

20. እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

21. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914754759/ 0914754360/ ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ኢኹም፡፡