Tigray Womans Bureau

ምልክታ ግ/ ጨረታ ቀዕሪ-01

ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ትግራይ ናይ 3R -4- CACE compenent- 2 ፅ/መሳርሒ ከጫርት ስለዝደለየ ኣብቲ ጨረታ ክሳተፋ ዝደለዩ ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት 29/07/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 8/08//2017 ዓ/ም አብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰነድ ጨረታ ብር 100(ሓደ ሚኢቲ) ብር ብምግዛእ ካብ ቢሮና ክወስዱ ትኸእሉ።

1. ተጫረቲ ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቕረባይነት መታወቂያ ናይ ግብሪ ከፋላይን (TIN መረዳእታ VAIተመዝጋባይ ዝኮነ ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ) ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ብ C.P.O ከቕርብ ዝክእል ተጫረቲ ዝረትሉ ዋጋ ብቢሮ አብ ዝተዳለወ ዋጋ መቕረቢ ቕጥዒ ብምምላእ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ዝተገለፀ ግዜ ኣብ ቢሮና ኮምፕሌክስ ህንፃ 4ይ ብሎክ 4ይ ፎቅ ቁፅሪ 228 ናብ ዝርከብ ሳንዱቕ ጨረታ ከእትዉ ዝክእሉ ።

2. ተጫራታይ ንዝሰዓሮም ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ

3. እቲ ጨረታ ሚያዝያ 8/08/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሚያዝያ 08/08/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት .

4. ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት 10% መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ።

5. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዊ 'ዩ።

6. ቤት ዕዮ ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዝምረፀሉ እዋን ዝግዛእ ዓቅሓ ወይ ግልጋሎት ዓቀን ወይ ዋጋ ከምአድላይነቱ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነፀላ አቅሓ 20%/ዒስራ ሚዒታዊ/ናይ ምቅናስ ወይ ምዉሳኸ መሰል ዝተሓለወ ምኻኑ

7. ኣብቲ ትመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ

8. ሽምን ክታምን መቕረባይ

መብርሂ ፦ሕድሕድ ናይ መወዳደሪ ደኩመንት ንፁር ኮይኑ ክቀርብ አለዎ ንተወሳኺ ሓበሬተ ናይ ቢሮ ና ስልኪ ቁፅሪ 0344 41 05 04