N/Western Zone Shire High Court

ምልክታ ጨረታ

ኣፈ/ከሳሲት እኒ መ/ር ተስፋይ ዘስሉስ ወለ 3 ሰብ

ኣፈ/ተኸሳሲት ወ/ሮ መብራት ኣሰፋ

ኣብ መንጎ  ብዘሎ ናይ አፈፃፀም ፍ/ሄር ክሲ ክርክር ንኣፈፃፀም ክርክር መበገሲ ዝኾነ ገዛን ቦታን ኣብ ከተማ ሽረ ቀበሌ 05 ዝርከብ መዋሰኒኡ

ብምብራቅ መንገዲ፣ምዕራብ ዑስማን
ሰሜን መንገዲ፣ብደቡብ ኣዕባሃን ፀጋይን

ስፍሓቱ 331.1ሜካሬ ዝኾነ ብመበገሲ ዋጋ ብር 23,000,971.95 (ዕስራን ሰለስተን ምልየንን ሸውዓተ ሚኢትን ሰብዓን ሓደን ብር ምስ 95 ሳንቲም) ክጫረት ዝደሊ ኣካል ንዕለት 02/08/2017ዓ/ም ካብ ሰዓት 3 ክሳብ ሰዓት 6 ኣብቲ ዝተገለፀ ገዛን ቦታን ተረኺብኩም ክትጫረቱ ትኽእሉ ምዃንኩም ዞባ ሰ/ምዕራብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ሽረ እ/ስላሰ ምድብ መጋባእያ የፍልጥ፡፡