1 ብተዛማዲ ስራሕ ናይ ዘበኑ ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም
2 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ፡ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ ፡ ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገብን ግብሪ ምክፋሎም ዲክላራሱዩን ማለት እዉን ፀብፃብ ሒሳብ ናይ ወርሒ ጥሪ ፡ ለካቲት 2017 ዓም ምስክር ወረቀት ብቅዳሕ መልክዕ ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዉሕስና ነብስወከፍ ምድብ 20000 ብር ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ ስፒኦ ወይድማ ብሰርትፊይድ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ
4 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕ ብኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ከቅርብ ዘለዎ ንበስወከፍ ምድብ ዋና ቅዳሕን ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሀተምን ክህልዎ ይግባእ
5 ሰነድ ጨረታ ካብ ቁፅሪ 9 ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ
6 ከምእዉን ተጫረቲ ብዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርምኦም ኣድራሾምን ከግልፅ አለዎም
7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ 18 /7/ 2017 ዓም ክሳብ 30/7/2017 ዓም ኮይኑ 30/7/ 2017 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4:30 ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 9 ይክፈት ይኩን ዳኣምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን
8 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ መብርሂ ወይድማ ናይ ምምሕያሽ ሕቶ ተሊዎም ቅድም ዝተወሰነ ግዘ ገደብ ምእካሉ ብቁፅሪ ስልኪ 0344402801 ደዊሎም ክሓቱ ይክእሉ
9 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ኣድራሻ ዒላላ ፈልሲ ጣብያ