Tigray Development Association

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር ክላስተር ጊደሮ ሃፍቲ እንስሳ ፕሮጀክት ምጥንኻር ደቂ ኣንስትዮ (GBV) ንመራብሒ ደርሁ ዝውዕል ሼድ ንምስራሕ ደረጃ 10 ልዕሊኡን ዝኾኑ ስራሕ ተቛረፅቲ ብምውድዳር ናይ ጉልበት ዋጋ ጥራሕ (Labour) ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ጥሪ ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ሽዑ ንሽዑ ውዕሊ ብምእሳር ስራሕ ክጅምር ዝኽእል፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ሰዓራይ ንስራሕ ዘገልግል ማይ መጠራቐሚ በዓል 5000 ሊትሮ ታንከር ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ከቕርብ ዝኽእል፣

9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ኣለዎ፣

10. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 24/07/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡