The daughters charity

ን2 ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወት ዘይቲ ብልዒ ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 6/06/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 10/06/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 10/06/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::

መብርሂ

ስዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልቲ ከቕርብ ዝኽእል ክኸዉን ኣለዎ