Tigray Bureau of youth and sport

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑ 02/17

ኣብ ስፖርት ኮሚሽን ክ/ትግራይ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ናይ ስፖርት ሜዳልያታት፣ ኤለክትሮኑክስን ናይ መከና ስፔርን ድማ ናይ ቢሮ ጉዳይ መንኣሰይ ክትግራይ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደሊ ክትወዳደሩ እትደልዩ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቛሒታት

1. ተወዳደርቲ ካብ 23/03/2017 ዓ/ም ክሳብ 26/03/2017 ዓ/ም ናይ ስራሕ ሰዓት ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ካብ ቢሮ ቐፅሪ 23 ምውሳድ ትኽእለ ፡፡

2. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 26/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ዕለት 26/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ይኽፈት

3. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቲን ናምበር ኮፒ ከቅርቡ ኣለዎም

5. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ.

6. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ የገልግል የገድድን

7. ተወዳደርቲ እቲ መልእዎ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክኸውን ኣለዎ ቫት የወስኽ ምባል ተቐባልነት የብሉን

8. ስዓራይ ኣካል ዘሸነፎም ኣቑሑት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊከሽን መሰረት ትኽኸለኛነቶም ምስተረጋገፁ ናብ ቢሮና ወይ ድማ ኮሚሽና ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይገብር፣

➢ ኮሚሽና ወይ ቢሮና ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ሓበራዊ ሀንፃ

➢ ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ ቑፅሪ 0914766863 ወይ 0914785469 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ