1 ናይዚ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 26 ሚኢቲ/100 ቅርሺ/ ከፊሎም ናይ ጨረታ ሰነድ ክወስዱ ዝክእሉ
2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሰርተፈኬትን : ቲን ዝተመዝገብ ምካንኩም መረጋገፂ ናይ ቀረባ እዋን ወርሓዊ ዲክለሬሽን ሙሉ ደኩመንት ከቅርቡ እትክእሉ
3 ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ 10000 ቅርሺ ብስፒኦ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ብሽም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ምስቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከቅርብ ዝክእል
4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 9 ሕዳር 2017 ዓም ክሳብ 30 ሕዳር 2017 ሰዓት 3:00 ይዕፀዉ
5 ጨረታ ዝከፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 30 ሕዳር 2017ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ከምእዉን ብዛይ ምርካቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይተዓናቀፈን
6 ተጫታይ ሰነድ ጨረታ ንዝርዝር አፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ዳይሪክቶት ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ 9/3/2017 ዓም ክሳብ 30/3/2017 ዓም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሽም: ማሕተም : ፊርማን ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣተዊ ይገብር
7 ተጫራታይሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ አለዎ ተጫራታይ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ንብረት ብናይ ባዕሉ መገዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ አታዊ ክገብር ዝክእል
8 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝመለእክምዉ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን 9 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል ማለት እዉን እሰፔሲፊክሽን ምስራዝ ኣይከኣልን
10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914031614 ወይድማ ብኣካል ከይዲካ ኣድራሻና ቀበሌ 03 ዋና ኦዲተር ድሕሪ ኣግኣዚ ኦፕሪሽን ምምሕዳር ዞባ መቐለ