Tigray Justices Bureau

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ /2017

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ኣቑሕት ምድብ-1/ loT-1 ፅ/መሳርሒ ኣቑሑትን ፣ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ኣቁሑት ፣ ሃላቂን ቋዋሚን ኣቁሑት ፣ፅሬት ኣቑሑት፣ ኤሌክትሮኒክስ መለዋወጢ ኣቁሑት ብብርኪ ክልል ትግራይ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ስለዚ ፦

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከäርብ ዝኸእል፤

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ IIN ሰርትፊኬት ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፤

3. ንተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ VAI ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ 2016 ዓ/ም ናይ VAI ድክላሬሽን ኣብ እዋን ዝተሓደ ኣብ መስከረም ወርሒ ኸኾውን ኣለዎ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ካቕርብ ዝኸእል፤

4. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፤

5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ስራሕ መዓልቲን ቀዳምን ሰንበትን ካልኦት በዓላቲን ሓውሱ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝኸእል፤

6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፤ናይቲ ትካል ሽምን ኣድርሻን፤ማህተም ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፤

7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ኣብ 5ቲኡ ምድብ ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢት ብር ጥራሕ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሮክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይኸእል፣

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሰነድ ጨረታ ፅሕፈት ኣቁሑት፣ሕትመት፣ ኮምፒተር መለወዋጢ ንሕድሕዶም ብር 5,000(ሓሙሽተ ሽሕ ጥራሕ) ፅሬትን ሃላቂን ቋዋን ብድምር ብር 5,000(ሓሙሽተ ሺሕ ጥራሕ) ብሽም ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ / Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብጊዜ ዘይተገደና ሰርቲፋይድ ቼክ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ተሓዚ ገንዘብ እቲ ጨረታ ቕድሚ ምኸፋቱ ከቕርብ ዝኽእል፣ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቐረበ ጨረታ መኸበሪ ገንዘብ ካብቲ ዝተሓተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዝተሓተ እንተኾይኑ ብዘይ ምንም ቕድመ ኩነታት ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::

9. እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ዕለት-03/03/2017 ዓ/ም ክሳብ 12/03/2017ዓ/ም ኩሉ ጊዜ በቲ ዕለት ልክ ሰዓት _8፡00 _ድ/ሰዓት ተዓዕዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት _8፡30_ ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፤ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት።

10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቕንስ /ክውስኸይኸእል እዩ።

12. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትኸክለኛ ምዃኑ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።