Adigrat Planning and Finance Office

1ናይዚ ዘመን ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክሉ

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎም ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክሉ

3 ተወሳኪ እስት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ እዋናዊ ሒሳብ ዘፍለጥቅምሉ መረዳእታ ምስ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክሉ

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ከብ ዝተጋወሐሉ 7/2/2017 ዓም ጀሚርኩም ክሳብ 21/2/2017 ዓም ሰዓት 11:30 ድሕሪ ቀትሪ ዘይመለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይንስን ከተማ ዓዲግራት ምዉሳድ ትክእሉ

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድም ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 15000 ቅርሺ / ዓሰርተ ሐሙሽተ ሽሕ ቅርሽ /  ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኢ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ እትክእሉ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

7 ሳንዱቅ ጨረታ 22/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ግና ፊርማ ባዕል ዋና ክዓርፎ ይግባእ

9 ቫት ተመዝገብቲ እተመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝሐወሰ ክከወን ይግባእ

10 ኣብቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ ቫት ከም ዝተመልአ ይሕሰብ

11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914123546 / 0941336816