Mekelle Polytechnic College

ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/131/ሀ-01 

ዕለት 21/01/2017 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 01/2017 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ/

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም።

3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዘለኩም ።

4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

5/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ( ዝረአዩ )ክኾኑ ኣለዎም።

6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 21/01/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 23/01/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ

ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።

7/ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 24/01/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ፅ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት።

8/ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

9/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

10/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን።

12/ ኣብ ናይ ፕሮፎርማ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ምግባር ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ብዝብል ምምላእ ኣይፍቀድን ።

13/ ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምምፃእ (ምእታው) ኣይከኣልን።

14/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።