Pome Gold Fruites PLC

ምልክታ ግልፂ ጨረታ መሸጣ ዕንጨይቲ

ፖም ጎልድ ፍሩትስ ሓላ/ዝተ/ው/ማህበር አብ ውሽጢ ግቢ እቲ ትካል ዝረከብ ተቆሪፁ ዝደረቐ ዕንጨይቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ክሽይጥ ይደሊ በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ እዚ ዝስዕብ መሰፈርቲ አመሊእኹም ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር።

1. ተጫረቲ ናይቲ ዝሽየጥ ዝርዝር ንብረት ሰነድ ጨረታ ዘይምለ 0.00( ሰለሳ ቅርሺ ጥራሕ) ብምኽፋል ካብ ፖም ጎልድ ፍሩትስ ዝ/ው/ማሕበር ካብ ዕለት 10/10/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ናይ ሰራሕ ስዓት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

2. እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 10/10/2016 ዓ/ም 15/10/2016 ዓ/ም ንተኸታተልቲ 5 ናይ ስራሕ መዓልትታት ኣብ ኢዮር ፀኒሑ አብቲ ዕለት 15/10/2016 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ልክዕ ሰዓት 8፡00 ተዓፂዩ ስዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት ፡ መ ዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ተወዳዳራይ/ትካል/ ሽምን ኣድራሻን፣ ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ 10000 ( ዓሰርተ ሽሕ ብር) ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ አለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝወዳደርዎ ንብረት ኩነታት ኩሉ ግዜ አብ ስራሕ ሰዓት በአካል ዘይሮም ብምርአይ ንሓደ ኩንታል ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቕርቡ አለዎም።

5. ኣብቲ ጨረታ ስዓራይ ዝኾነ ተወዳደራይ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ዕንጨይቲ ገንዘብ ጠቕላላ አታዊ ገይሩ ብናይ ባዕሉ መጐዓዝያ የልዕል አብቲ ዝተብሃለ እዋን ገንዘብ አታዊ እንተዘይገይሩ ዘትሐዞ መኸበሪ ጨረታ ይውረስ።

6. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምዕራብ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

አድራሻ፦ መቐለ አሪድ ዩኒቨርሲቲ ፊት ንፊት ዘሎ ናይ ወይኒ ሕርሻ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁዕሪ 0914-31-48-08 ደዊሎም ምሕታት ይኸኣሉ።