Tigray Mass Media Agency

ቁፅሪ /NO/- 87/ኤ-2/ ጨ-1

ዕለት/ Date/ 22 / 08 / 2016 ዓ/ም

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::  በዚ መሰረት

• ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድን መቕረባይነት ዘለኩም፡፡

• ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN መረዳእታ ከተቐርቡ እትኽእሉ

• ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ቫት ዲክለረ ዝገበርኩምን።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ከቅርብ አለዎ፡፡

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 22/08/16 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 06/09/2016 ዓ/ም ሰዓት11:30 ዘይምለስ ብር 200/ክልተ ምኢቲ / ብምክፋል – ሰነድ ጨረታ ብምውሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአል፡፡

• መኸበሪ ጨረታ ብር 6000/ሽዱሽተ ሽሕ/ ኮይኑ ከም ምርጫ ናይቲ ተጫራታይ ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ክኸውን ይኽእል፡፡

ሀ. ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና

ለ. ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስና

ሐ. ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPo ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ አለዎም ::

• ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 07/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኮይኑ፣ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኸፈት ፡

• ተጫረቲ ወይም ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን፡፡

• ዘድሊ በዝሒ ደኩመንት ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኖም ተዓሽጎም ከቅርብ አለዎ

• ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐለ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ እዩ፡፡

• ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም ኣብቲ ኤጀንስና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ክመልኡ አለዎም።

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን

• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ማህተም ናይ ድርጅቱኩም ከዓርፎ ኣሎዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ፡፡

• ካብ መንግስቲ መቕረባይነት ዝተኣገደ ዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን ፡

ኣድራሻ- ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ 1” ደብሪ ቑፅሪ-105ወይ106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342406380 ምርካብ ይከኣል።