ን4ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ሕክምና ስኒ
ዋኒኑ፣ኣብ ቃልሲ መጉዳእቲ ስኒ ንዘጋጠሞም ኣባላት ማ/ጉኲ/ት ብጨረታ ምስራሕ ይምልከት
ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ኣብ ቃልሲ መጉዳእቲ ስኒ ንዘጋጠሞም ኣባላት ማ/ጉ/ኲ/ት ብጨረታ ናይ ስኒ ድጋፍ ከስርሕ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።
1-ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ
2-ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ
3-ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 10% ዘይምለስ ከትሕዝ ኣለዎ
4-ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዝቀረበ ዝርዝር መረዳእታ ክኾን ይግባእ
ዝወሃብ ግልጋሎት በዚ ዝስዕብ መንገዲ ቀሪቡ ኣሎ
ተ.ቁ | ዝርዝር ዝወሃብ ዓይነት ኣገልግሎት | ንፅል ዋጋ | መብርሂ | |
---|---|---|---|---|
ብር | ሳ | |||
1 | ምርመራ /Examination/ | |||
2 | ስኒ ምንቃል/ttraction/ | |||
3 | ስኒ ምሕፃብ/Scaling/ | |||
4 | ዝተቀበረ ስኒ ምንቃል/Disimpaction/ | |||
5 | ፃዕዳ ስኒ ምትካል/Acrilic Tooth/ | |||
6 | ክሮም ስኒ ምትካል/Cherom Cobalt Tooth/ | |||
7 | ሰራሚክ ስኒ ምትካል/Ceramic Artificial Teeth/ | |||
8 | ዝተሰበረ ስኒ ምእሳር/Splinting By Wire/ | |||
9 | ወፃኢን ኣታውን ስኒ ምትካል/Rimovable Artificial Teeth/ | |||
10 | ሱር ሕክምና/Root canel Treatment/ |
* ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
* ካብ ትካል ዘቅረቦ መማረፂ ወፃእ ዝቀርብ ዓይነት ግልጋሎት ተቀባልነት የብሉን
* ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት የብሉን
* ዝሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕል ክኣስር ኣለዎ
ኣድራሻ
* ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን ፊት ንፊት ቤት ፍርዲ ወረዳ እንደርታ ጎኒ ቤ/ፅ ኢሜግሬሽን
ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 11/08/2016-16/08/2016 ዓ/ም
ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት - ዕለት 17/08/2016 ዓ/ም ስዓት 3ተ ናይ ንጉሆ