ናይ ጨረታ ምልክታ
ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍንቱ ዝተወሰነ ናይ ዉልቀ ኩባንያ ኣብ ጨነፈር ዝርከብ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘገልገለ ቆርቆሮ , ዘገልገለ ናይ ቆርቆሮ በርን መስኮትን , ዘገልገለ ባሕርዛፍ , ዘገልገለ ኮንቴነር ,ዘገልገሉ አራትን ዘገልገሉ ባትሪን ጎማን ናይ መለዋወጢ ኣቁሕት ብረታብረትን ናይ ኮንስትራክሽን ኣቁሕትን ብጨረታ ክሸይጥ ይደሊ::
ስለዚ ኣብ ጨረታ ንምስታፍ እትደሊዩ ተወዳደርቲ :
1 ተጫረቲ ናይ 2006 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ኮይኖም ምስቲ ሰነድዉን ፎቶ ኮፒ ከተሓሕዙ ይግባእ::
2 ተጫረቲ ንጨረታ ዘተዳለወ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 50.00 / ሓምሳ / እናኸፈሉ ካብ ሎጂስቲክስ ቢሮ ዕዳጋ ክፍሊ ክወስዱ ይኽእሉ ::
3 ተጫረቲ ካብ ትካልና ዝተዋሃቦም ኦርጅናል ፎርሚ ጥራሕ ተጠቂሞም ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቫት ከይሓወሰ ብዘይ ቫት ንሕድሕድ ኣቕሓ ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ካብ ዕለት 29 /09 /2014 ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 06/10/ 2014 ሰኑይ ኣብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክተእትዉ ይግባእ::
4 ተጫረቲ ኣብ እትቕርብዎ ዋጋ ተወሳኪ 15 % ቫት ክንኽፍል ምኮንና ክፍለጥ ይግባእ ::
5 ተጫረቲ ብር 20, 000 .00( ዒስራ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ምስሪ ሰነድ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋት ዘሎ ጊዜ ከቕርቡ ይግባእ ::
6 ተጫረቲ ነቲ ንብረት ብዓይኖም ሪኦም ዋጋ ብምዉፃእ ናይ ሓደ ዋጋ ክመልኡ አለዎም::
7 እቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 7/ 10 /2014 ሰሉስ ንጉሆ ልክዕ ሰዓት 3:00 ኣብ ሎጅስቲክስ ቢሮ ኮይኑ ዝተረኸበ ይኹን ዘይተረከበ ተጫረታይ በቲ ዉፅኢት ተገዛኢ ይኸዉን::
8 ብምልክታ ሰዓራይ ኮይኑ ዝተፈላለየ ተጫረታይ አብ ዉሽጢ 7 /ሸዉዓተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ኸፊሉ አብቲ ፎርም ዝተጠቀሰ በዝሒ ኩሉ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ከልዕል ይግደድ እንተዘይኮይኑ ንጨረታ መክበሪ ዘትሓዞ ሲፒኦ ንትካል ኣታዊ ኮይኑ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ዘይወሰደ ምኮኑ ነፍልጥ::
9 ዝኾነ ዓይነት ንምጭብርባር ዝዕድሙ ግድፈታት ዘይተኣናግድ ምኮኑ ነፍልጥ ::
10 ንተወሳኪ መብርሂ 0344 40 87 00 ወ/ሮ ፅጌረዳ ምርካብ ይካኣል::
11 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኸን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ ::