ZalaAnbesa Primary School

1 ናይ ተጫረቲ ሽም ፣ ፌርማ፣ ኣድራሻ፣ ማህተም ሸ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ክግብሩ አለዎም

2 ንናይ ህንፃ መሳርሒ ፣ ናይ ላብራቶሪ ማተርያላት ፣ ናይ ስፖርት ማተርያላት ዕጥቅታትብ ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት፣ ናይ ዕንጨየቲ ሓፂን መፂንን / ፈርኒቸራት/ ንፅሕፈት መሳርሕታትን ኣቅሑትን ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይቲ ዓዉደ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ፣ ቲን ቁፅሪ ፣ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ፣ ቫት ዝተመዝገበሉ ሰርተፊኬት ፣ ቫት ዝተመዝገበሉ ሰርተፊኬት ፣ ቫት ዝተመዝገበሉ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2012ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ብምቕራብ ክትወዳደሩ ከምትኽእሉ

3 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ትምህርትና ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ብር 50 ብምኽፋል ምዉሳድ ይካኣል

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ፣ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ቼክ ብምትሓዝ ዝካኣል ኮይኑ ንናይ ህንፃ መሳርሒ፣ላባራቶሪ ማተርያላት ፣ ናይ ስፖርት ማተርያላትን ዕጥቅታትን ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሕታት 3000 ቅርሺ ፣ናይ ዕንጨይቲ ሓፂነ መፂን ኣቅሑት /ፈርኒቸራት/ 5000 ቅርሺ፣ ብሽም ቤት ትምህርቲ ዛላእንበሳ ከትሕዙ ዝኽእሉ ኽኮኑ ኣለዎም

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ኣታዊ ዝገብርሉ ቦታ መሰናድኦ  ቤት ትምህርቲ ዛላኣንበሳ ምኻኑ ክትፈልጡ ይግባእ በዚ መሰረት ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21/07/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ በቲ ዕለት 21/07/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ሰዓት ኣብ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ዛላኣንበሳ ይኽፈት

6 እቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት እንተደኣ ብካላንደር ዝዕፆ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይፍፀም

7 ተጫረቲ ዝህብዎ ዋጋ ን45 መዓልቲ ዝፀንሕ ይኸዉን

8  ተጫረቲ እትመልኡ ኣብ ዝወሰድኩምዎ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ እንትኸዉን በዚ መሰረት ቫት ወ ድማ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ንዝኮንኩም ተጫረቲ እትመልእዎ ዋጋ ቫት ወይ ድማ ቲኦቲ ዝሓወሰ ዋጋ ክትመልኡ ኣለኩም

9 ቤት ትምህርትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 47 79 04 12 ወይ 09 14 73 24 61