Tigray Agricultural Marketing Promotion Agency/TAMP

ምልክታ ጨረታ

ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ፍርያት ሕርሻ ክልል ትግራይ አብ ዝተፈላለዩ ንብረታት ማለት ናይ ፅሕፈት መሳርሒሕን ናይ ኮምፒተር አክሰሰርን ክዕድግ ሰለዝደለየ አብዚ ንግዲ ዝተወፈርኩም ነጋዶ / ትካለት ክትጫረቱ ይዕድም ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ መቕረብቲ በዚ አብ ታሕቲ ዝተዘርዘረ መምርሒ ክተማልኡ ትግደዱ::

1 ናይ 2007 ዓ/ም ፍቓድ ንግዲ ዘሐደሱ::

2 ናይ መቕረባይነት ፍቓድ ዘለዎም::

3 VAT ዝተመዝገብኩም ምኮንኩም መረዳእታ ክቕርቡ ዝኽእሉ ከምኡዉን ዴክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡ::

4 Tin ዝተመዝገብኩም ምኮንኩም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኤጀንሲና ዘይምለስ ብር 30.00 / ሰላሳ ብር / ብምኽፋል ካብ ቢሮ ቁፅሪ 106 ምዉሳድ እትክእሉ::

6 ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ብር 3000.00 / ሰለስተ/ ሽሕ ብር ሕጋዉነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ CPO እትክእሉ::

7 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ነዚ ጨረታ ናበ ዝተዳለወ ሳነዱቅ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/12/2006 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 05/01/2007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ቀትሪ አብ ዘሎ ግዜ ክተእትዉ ትክእል ምኮንኩም::

8 እቲ ጨረታ ዕለት 05/01/2007ዓ/ም ሰዓት 9:00 ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 9:30 ኣብ ኤጀንሲና ይኽፈቱ ተጫረቲ ወይ ካኣ ሕጋዊ ወከልቶመ አብ ዝተረከብሉ ንክክፈት ይምረፅ::

9 ዝሰዓረ ትካል ሰዓራይ ምኮኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::

10 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ኮነ ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0344 40 52 65 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል::